Discover millions of ebooks, audiobooks, and so much more with a free trial

Only $11.99/month after trial. Cancel anytime.

Monday
Monday
Monday
Ebook269 pages2 hours

Monday

Rating: 1 out of 5 stars

1/5

()

Read preview

About this ebook

ስለምንታይ ፈላስፋታት ኩዳ ከም ዘይፈትው
ስስዐ ስለምንታይ ክዳን በጊዕ ክኽደን ከም ዝመረጸ
ስለምንታይ መንግስተ ሰማያትና ካብ መንግስተ ሰማያትኩም ከም ዝገፍሕ
ስለምንታይ ንሓቂ ኣብ ኣርማድዮ ከነቐምጣ ከምዘይብልና
ድሌትና ምርካብ ስለምንታይ ፍታሕ ከም ዘይኮነ
ስለምንታይ ሰብ ናብ ኣምላኽ ክቐርብ ዓቀብ ከም ዝኾኖ
ስለምንታይ ህላውነት ኣምላኽ መስካሪ ከም ዘየድልዮ
ስለምንታይ ሴፍካ ኣበይ ከምዘሎ ምፍላጥ ከም ዘድሊ
ስለምንታይ መርገጺ ዘይብላ ሰብ ክኸውን ከም ዝደሊ
ዕትሮ፡ ቴንዳ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብን
ሲዶና እታ ሓድነት ኣምላኽ እትቕበል ከሓዲት
ስለምንታይ ቡድሃ “ኣይትእመነኒ” ከም ዝበለ
መፋትሕ ዓለማውን መንፈሳውን ህይወታት
ስለምንታይ ኣምላኽ “ሱፐርሂሮ” ከም ዘይኮነ
ስለምንታይ ዝዓበየት “ትእዛዝ” ሕልማዊት ከም ዝኾነት
ስለምንታይ ምምጻእ ኤልየንስ ዓቢ ነገር ከም ዘይኮነ
ስለምንታይ ንሰብ ሕማሙ ምንጋር ጽቡቕ ፖሊሲ ከምዘይኮነ
ሰባት ኽፈትዉኻ እንተደሊኻ (ሕጊ ቁ.1)
ሰባት ክፈትውኻ እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.2
ሰባት ክፈትውኻ እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.3
ሰባት ክፈትውኻ እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.4
ሰባት ክፈትውኻ እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.5
ሰባት ክፈትውኻ እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.6
Self-help መጽሓፍ ከመይ ጌርካ ከም ዝንበብ
ግስን ምግሳስ ብኣዕማድን ኣብ ቋንቋ ትግርኛ
ኣተሓሳስባ ሰባት ክትቅይር እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.1
ኣተሓሳስባ ሰባት ክትቕይር እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.2
ኣተሓሳስባ ሰባት ክትቅይር እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.3
ኣተሓሳስባ ሰባት ክትቅይር እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.4
ኣተሓሳስባ ሰባት ክትቅይር እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.5
ኣተሓሳስባ ሰባት ክትቕይር እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.6
ኣተሓሳስባ ሰባት ክትቕይር እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.7
ኣተሓሳስባ ሰባት ክትቅይር እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.8
ኣተሓሳስባ ሰባት ክትቅይር እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.9
ኣተሓሳስባ ሰባት ክትቕይር እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.10
ኣተሓሳስባ ሰባት ክትቅይር እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.11
ኣተሓሳስባ ሰባት ክትቅይር እንተደሊኻ ሕጊ ቁ.12
ዋጋ ቀዳመይቲ ሕጊ ዘን ምፍራስ
ዝምድና ተዃሉ ዴሞክራስን መዝሙር ኣባጊዕ ፖለቲካን
ሃዋርያት ሃይማኖትን ጸወታ ብኣምላኽን ክሳብ መዓስ
“እዩ፡ እዩ”መእሰሪ ፍልስፍና-ሃይማኖት ሲዶና ዑመር
ስነፍልጠት
ሻደንፍሮይደ (Schadenfreude)፡ ዝበለጸት ካብ ጀርመናውያን ዝተለቃሕናያ ቃል
Examples of Fallacies and Crooked Thinking
The Theory of Everything፡ ኣምላኽ ምባል ዘሰከፎም ተመራመርቲ “God particle” ረኺብና ይብሉ
ሰብ ስለምንታይ ዝጀመሮ ነገር የቋርጽ
ፊዚክስ ደቀቕቲ ኣካላት
ስነፍልጠት ጸረ ኣምላኽ ድዩ፧
Theory of Everything: Part I
“ዘኢትነገር” ሕጊ ጥቕሚ ደቂ ሰብ ካብ ኣዳም ክሳብ ሎሚ

LanguageTigrinya
PublisherSidona Omer
Release dateSep 30, 2018
ISBN9780463508824
Monday
Author

Sidona Omer

Sidona was born and raised in Eritrea, Horn of Africa. She writes Psychology, Philosophy and Theology based essays mostly in Tigrigna, her mother tongue. Sidona writes in a free verse, following a stream-of-consciousness style. She is deemed controversial by some and she believes she can be brutally honest about her views. This form of writing in a less known language has made helped her gain some fans and some fierce opponents. She is a proud Eritrean and envisions the revival of Tigrigna as a language in the near future.

Read more from Sidona Omer

Related to Monday

Reviews for Monday

Rating: 1 out of 5 stars
1/5

1 rating0 reviews

What did you think?

Tap to rate

Review must be at least 10 words

    Book preview

    Monday - Sidona Omer

    ፍልስፍና ግደፍዮ! ንዝብለካ ሰብ ስለምንታይ፧ ኢልካ ምሕታት ንባዕሉ ፍልስፍና ስለ ዝኾነ እታ ካባኻ ዝጽበያ መልሲ ሐራይ ጥራይ’ያ። ፍልስፍና ግደፎ እንታይ ማለትኮን ይኸውን፧ ቅጭ ዘምጽኡ ሕቶታት ምሕታት ግደፎ፧ ከባቢኻ ዝሃበካ ኣተሓሳስባታትን ኣካይዳን ተቀበል፧ ንሰባት ብሕቶ ኣይተዋጥር፧ መንየ፡ ካበይ መጺአ ኣይትበል፧ ድነን፧ እንድዒ! ሓልዮት ወይ ስክፍታ ናይቲ መኻሪ ከኣ ክኸውን ይኽእል። ፍልስፍና ስለ ዘጸልል፡ ትሓትት ትሓትት ኣብ መወዳእታ ወይ እቲ ሓታቲ ይጠፍእ ወይ ሕቶ ምሕታት ይጠፍእ። እቲ ሓታቲ መንነቱ እንተጥፊኡ ተጸሊሉ ይበሃል፡ ሕቶ ምሕታት እንተቋሪጹ ከኣ ኢንላይተንድ ኮይኑ ወይ መንፈስ ቅዱስ ሰሪጽዎ ወይ ኣምላኽ ተገሊጽሉ ይበሃል ኢሎሞ።

    እዛ ኢሎሞ ትብል ቃል ኣብ ዘረባታተት ከም ጨው ክጥቀመላ ካብ ዝጅምር ውሑድ ኣይገበርኩን። ኩሉ እትፈልጦ ካብ ከባቢኻ ዘምጻኻዮ’ምበር ናተይ ትብል ጥር ትብል ፍልጠት የብለይን ንማለት’የ። ባዕላ እታ ሓሳብ ውን ናይ ካልኦት’ንድያ እንተኾነ ንዝረኽቦም ሰባት < ከምዚ ይበሃል፡ ኢሎሞ፡ ኣንቢበ፡ ሰሚዐ> ወዘተ ክብሎም ከለኹ ብተዘዋዋሪ መገዲ ውን ናትኩም ፍልጠት የብልኩምን ስለ ዘስምዕ’ዩ መስለኒ፡ ባህ ኣይብሎምን። እዛ ኩሉ ፍልጠትካ ከም ሕንጻይ ዝተመላእካዮ’ዩ ትብል ሓሳብ፡ ነቲ ግርማዊ ሰብ፡ ነቲ ንተፈጥሮ ዘድነነ ሰብ፡ ነቲ ካብ ፍጡራት ዝበለጽኩ’የ ዝብል ሰብ ዕርቃኑ ስለ ተውጽኦ፡ ፈላስፋ እንተዘይኮይኑ ንዝኾነ ተራ ኢጎ ክትወርደሉ ከተጸግሞ ትኽእል።

    ቅድሚ ቁሩብ እዋን ምስ ሓደ ዝፈልጦ ሰብ ናይ ተመሃሮ 5ይ ክፍሊ ከለና ዝነበረ እዋንን ናይ ትግርኛ መምህርናን ዘኪርና ምስ ኣዕለልና ብሎግ ጀምሪ ዝብል ሓሳብ ተላዕለኒ፡ ዲሲፕሊን ጌረ መዓልታዊ ሓንቲ ገጽ ክጽሕፍ ንዝብል ብድሆ ተቀበልክዎ። ንዓመት ምሉእ ክጽሕፍ ዘድሊ ዲሲፕሊን ልዑል’ዩ። ጽሑፍ ዝምካሕ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ ይብል፡ ኩሉ ነገር ነዓይ ክሳብ ዝርእዮን ዝሙከረሉን ይበሃልን ኢሎሞን ኢዩ። እቲ ዝምካሕ ብምንታይ ክምካሕ’ዩ፧ ሰብ በዚኣ’ስኪ ተመካሕ በሎ፧ ሞት ስለ ዘሎ እዞም ሃይማኖተኛታት ገለ መመኽነዪ ይረኽቡ። እቶም ዘይኣመንቲ ከኣ ከምቲ ጽሑፍ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን… ዝብሎ፡ ኣበይ ኣሎ ኣምላኽ፧ ኢሎም ከመኽንዩ ይረኣዩ። ክልቲኦም ጉጅለታት ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን’ዮም ዝደግሙ ዘለው (ዋላ ኣነውን!) ንኣምላኽ ይፈልጦ’የ እንተኢልካ ሓሳዊ ኢኻ፡ ኣምላኽ የለን እንተ ኢልካ ውን ጌና ትሕሱ ኣለኻ። ስለዚ የለን ወይ ኣሎ ክትብል ዝኣክል ጭብጢ ስለ ዘይብልካ፡ ብኽፉት ልቢ ከም ሸርሎክ ሆምዝ ኪድ ነዛ መጽሓፉ እግዚኣብሄር ዝኾነ ዓለም ንበባ። መልሲ ረኺበ ኢልካ ክትዛረብ እንተጀሚርካ ከም ዕትሮ ዝተመላእካዮ’ዩ፡ የለን እንተኢልካ ከኣ ተስፋ ቆሪጽካ ኣብ መንጐ መንገዲ ኣላጊስካ ኣለኻ።

    እዚ ለባማት ዘሉዎ’ን ድዩ፡ ኣብዚ እዋንዚ ተመሊአዮ ዘለኹ ፍልጠት ከምዚ ይብል።

    ንኣምላኽ ምስ ረኸብክዮ ልክዕ ከምቲ ናብ ባሕሪ ገጹ ዝፈስስ ወሓዚ ናብቲ ባሕሪ ምስ በጽሐ ሓደ ምስቲ ባሕሪ ዝኸውን፡ ንስኺ’ውን ንኣምላኽ ምስ ረኸብክዮ ሓደ ምስኡ ትኾኒ።

    ኣነ ንኣምላኽ ረኺበዮ ዝብል ኣነ ዘይብልካ ትኸውን። ንስኻ የለኻን፡ ኣምላኽ ጥራይ ኣሎ። ኩሉ መገድታት ድማ ነዚ ኣነ ዝብል ከመይ ጌርካ ተጥፍኦ’ዩ። ብብዝሒ ዝምልኦም ዘለኹ መጻሕፍቲ ውን ኣብዚ ዘተኮሩ’ዮም። ስለዚ እታ ዝምካሕ ብየሆዋ ይመካሕ ትብል ሓረግ፡ ንዓኻ ኣንኢሳ ንኣምላኽ ስለ ተዕቢ እፈትዋ’የ። ኩሉ ነዛ ኣነ እትብሃል መርዚ ዘምክን ቅኑዕ፡ ኩሉ ነዛ ኣነ ዘትርር ድማ ጌጋ እዩ ይብሉ ናይ ሃይማኖት ተመራመርቲ። ነዞም ተመራመርቲ ዝሰምዐ ሓውኹም ከኣ ዘረባኦም እደግም እነኹ። ነዛ ኣነ ትብል ከጥፍኣ ዝደሊ ዘሎ ውን ባዕሉ እቲ ኣነ’ዩ። ስለዚ ንኣምላኽ ክትረኽቦ ዝኾነ ነገር ምስ እትገብር ኣይትረኽቦን ምኽንያቱ እቲ ኣነ ዝበሃል ደላዪ ስለ ዝኾነ። ንኣምላኽ ከም ሓደ ካብ ሸቶታትካ ክትቆጽሮ የብልካን ይበሃል። ንስኻ ናብኡ ክትቀርብን ኣብኡ ክትጠፍእን ኣብ ውቅያኖሱ ክትወሃሃድን ዝኾነ ባዕላዊ ተግባር ምስ ትገብር ነቲ ከትጥፍኦ ትደሊ ዘለኻ ኣነ ተርጉዶ። ባሾ ዝበሃል ጸሓፊ ሃይኩ ዝጸሓፋ

    ስቕ ኢልካ ኮፍ ምስ በልካ

    ክረምቲ ይመጽእ

    ሳዕሪ ባዕሉ ይበቁል

    ኦሾ ነዛ ሃይኩ ኣዝዩ’ዩ ዝፈትዋ’ዩ ኔሩ። ወላ ሓንቲ ትገብሮ ከም ዘይብልካ ንምርኣይ’ዩ ባሾ ጽሒፍዋ።

    ንምንታይ ን ኣነ ከጥፍእዋ ይጽዕሩ ኣለው፧ ክዕወቱ’ኸ ይኽእሉ’ዶ፧ ብቀንዱ’ኸ ክትጠፍእ ትኽእል ድያ፧ ኣምላኽ’ከ ንክትጠፍእ ንምንታይ ፈጢርዋ፧ ነዛ ናይ መወዳእታ ሕቶ ሰይጣን ምስ ኣስሓቶ ንኣዳም እታ ሓቀኛ መንነትና ጠፊኣ ይብሉ። መን ነጊሩካ፧ <ኣብ ከምዚ መጽሓፍ ኣንቢበዮ።> እዋእ ኣብ ከምዚ መጽሓፍ ደኣ ከምዚ ንድዩ ዝብል ዘሎ። ኣየናይ መጽሓፍ’ዩ ሓቀኛ ናይ ኣምላኽ መጽሓፍ ወዘተ ወዘተ ኢልካ ግዜ ከይወሰድካ ሻሽ ተዓጢካ ኣብ ክትዕ ተኹድድ። ፈላስፋ ምዃንካ ነዚ ኹዳ እናጣዕካ ኣብ ወሰን ኮንካ ትዕዘቦ። ገለን ንየምን ነኹድድ ገለን ንጸጋም ከኹድዱ፡ ንስኻ ግን ንምንታይ ነኹድድ፧ ኢልካ ትሓትት።

    ክኣስሮ፡ ፍልስፍና ግደፎ ማለት ኣብ ወሰን ኮንካ ምጥቃዕ ግደፎ ማለት’ዩ መስለኒ። እነሀ ነጸላ ነዓ ምሳና ሓቢርካ ኣኹድድ፡ ንየማን ወይ ንጸጋም ናትካ ምርጫ ግን ደው ኢልካ ኣይትተዓዘብ። ካባና እንታይ ዝፈልየኪ ኣሎ፧ ንሕና ኣብዚ እናተራጋሕና ሓመድ ንመስል ኣለና ንስኺ እንታዋይ’ቲ ኢኺ ኣየኹድድን’የ ትብሊ። ወስኒ! ኣቦታትክን ኣበሓጐታትክን እናኹደዱ’ዮም ነዓና ወሊዶምና፡ ንሕና ኸኣ እናኹደድና ንዓኺ ወሊድና ኣባኺ በጺሓ እዛ ኹዳ ደው ክትብል የብላን። በንጻር’ዚ ድማ ሓደ ኣነ ርእሰይ ክኢለ’የ፡ ተማሂረ’የ፡ ፈሊጠ’የ ዝብል ሰብ ንኹዳ ኣቦታቱ ከም ድሑር እምነት፡ ኣብ ኣምላኽ ምእማን ከም ናይ ደናቁር ክወስዶ ይርአ። ኣየኹድድን! ዕጭ ሓንፍፉ ብማለት ድማ ናጽነቱ የርኢ። ወይ ጉድ! ትብል ወይዘሪት ፈላስፋ ወይ ፋላስፊት። ምኹዳድ ወይ ዘይሙኽዳድ ይኸውን እቲ ሕቶ ህይወት።

    *******

    ስስዐ ስለምንታይ ክዳን በጊዕ ክኽደን ከም ዝመረጸ

    ሰብ ተመስገን ክብል ምስ ጀመረ ሰላም ክረክብ ይኽእል ይበሃል። ኩሉ ግዜ ካብ <ይበሃል ፡ ይብልዎ> እናበልኩ ዝደጋግሞ ከም ርዱእ ንውሰዶ ኩሉ ዝብሎ ካልኦት ዝበሉዎ’ዩ። እዛ ናይ ተመስገን ነገር ግን ሰብ ዋላ ይፍለጣ ፡ ኣብ ግብሪ ከውዕላ ግን ይጽገም። ሓደ ነገር ስለ ዝተረድኣካ ወይ ስለ ዝፈለጥካዮ ትገብሮ ማለት ኣይኮነን። ኣዳም ካብታ ገረብ ክበልዕ ከምዘይብሉ ዋላውን ይፍለጥ ዋላውን ሽሕ ግዜ ይረድኣዮ ግን ኣማስያኡስ በሊዑ ደኣ። ወላ ውን ከም ጸዋር ኩሉ ዕባራ ምኽንያታትና ክስከመልና ንሰይጣን እንተሃብናዮ ጌና ካብቲ ጾር ነጻ ኣይኮንናን። ገለ እዋናት ድማ ስጋኻን መንፈስካን’ዮም ዝበኣሱ ዘለው ይበሃል። መንፈስካ ተመስገን ክብል ክደሊ ከሎ ስጋኻ ግን ወስኸኒ ይብል። ወድ ሰብ ድማ ምስኪናይ ኣብ መንጐ’ዞም ክልተ ኣፍራስ ተቀርቂሩ ሰላም ዘይብሉ ይነብር። በዚ ዓቢ ሰብ ክኸውን ክህብትም ክፈልጥ ይደሊ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ጻድቕ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ሃይማኖተኛ ክኸውን ይደሊ። ዓለማዊነትን ኣምላኽን ኣይሳነዩን ኢሎም መራሕቲ ሃይማኖት ስለ ዝሰብኩ፡ ዝወረዳ ወይዘሪት ህይወት ከም ኣብ መንጐ ክልተ ደናጉላ ዝበቆለት ዕንባባ ትኸውን። <ካብ ጽላልና፡ ጽላል ክልተ ደናጉላታት ክትሃድሚ ኣይትኽእልን’ኺ> ኢሎም የጓጥጡላ ዝወረዳ ጽገሬዳ ህይወት። ንመን ክትመርጽ፧ ብኸመይ ትመርጽ፧

    ኣንጻር’ዛ ናይ ላዕሊ ሓሳብ ኣላ። ሓደ ሰብ ንዓለማዊ ሸቶታቱ ብመንፈሳዊ ሸቶታት ስለ ዝተክኦ ጥራይ ሰላማዊ ናብራ ኣይነብርን’ዩ። ልክዕ ከምቲ ዓለማዊ ዝጭነቖ ንሱውን በቲ መንፈሳዊ ጉዳያት ምጭናቑ ኣይተርፍን ስለዚ እታ ምጭናቕ ክዳን ቀይራ ምስ ኩሎም ኣላ ይብሉ። ንኣምላኽ ልክዕ ከምቲ ንገንዘብ ትሃርፎ ስለ ዝሃረፍካዮ ጻድቕ ይገብረካ’ዶ ይኸውን፧ ንስስዐ ስዒረያ እናበልካ ብመንግስቲ ኣምላኽ እንተሰሳዕካ’ኸ፧ ብኣምላኽ’ካ እንተቀናእካ’ኸ፧ ከምቲ ኩራ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝነደደ፡ ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለና ሰባት ብሕርቃንካ እናቃጸልካና፡ ከመይ ኣቢልካ ነዛ ዓለም ስዒረያ ትብል፧ ንህርፋን፡ ሕርቃን፡ ኩራ ወዘተ ኩሎም ‘ቶም ሕማቃት ዝበሃሉ ባህርያት ምድባ’ዮም እዩ ሓቀኛ ሃይማኖት ‘ምበር፡ ኩሕሊ ኩሒልካ ስስዐ ሰማያዊ ነገር ጽድቂ’ዩ ኣይትበል ምኽንያቱ እቲ ስሱዕ ሰብ ኣብ ውሽጥኻ ሃልዩ ሸቶ ናይ ስስዐ ጥራይ’ዩ ቀይሩ።

    ብዙሕ ሰብ ሃይማኖተኛታት በሃልቲ ሰባት ርእዩ፡ ካባና ዝፈልዮም’ሲ ከቶ የልቦን። ካባና ንላዕሊ ፈቃራት፡ መስተውዓልቲ፡ ምቅሉላት፡ ጸወርቲ፡ ወዘተ ኣይኮኑን ይብል። ሓቂ’ዩ። ርብዒ ከምቲ ስብከቶም እንተዝኾኑ ነታ ከም ዲቪ ዝሃርፍዋ መንግስተ ሰማይ ሎሚ ምረኣይዋ። ስለምንታይ ግን ከምቲ <ንስዕቦ ኢና> ዝብልዎ ክርስቶስ ዘይመስሉ፧ ክርስቶስ ኣብነቶም እንተኾይኑ ግብሮም ስለምንታይ ንዕኡ ዘይመስል። ካብ ኩሉ ዝኸፍእ ድማ መን ከማና ትብል ንሰይጣን ከይተረፈ ሓኒቃ ዘውደቐት ትዕቢት ከም ጽላሎት ደድሕሪኦም ትኸይድ ምዃና’ዩ። ኣነ’ኳ ብዋጋ ክርስቶስ ዝተዓድኩ ክቡር ፍጥረት’የ ይብሉኻ። ጽቡቅ! ክንዲ ጻጸ ትኸውን ግብሪ ክርስቶስ እተትህልወካ ግን ክንደይ መምሓረ። ግብሪ ኣገዳሲ ኣይኮነን፡ መንፈሰይ ስለ ዝደሓነ ኣፎር መሊኦም ይምልሱልካ። ፈሪሳውያን ደኣ ኣውሪሶም ‘ንድዮም ይብል ሓውትኹም ብውሽጠይ። ሓደ ሰብ ይዘሙ፡ ይሓሱ፡ ይቕተል ሕልናኡ ይፍረዶ፡ እንተቶም ናይ ክርስቶስ ኢና በሃልቲ ግን ብመስፈሪ ክርስቶስ ክንፈርደኩም ይግብኣና። ድሒንካ እንተኾንካ ግን ስለምንታይ ሰይጣን ንስጋኻ ዝገዝኦ ዘሎ፧ ካልኣት ግዜ ተወሊድካ እንተኾንካ ስለምንታይ ግብሪ ናይቲ ብሉይ ነብስኻ ትገብር ኣለኻ፧ ስለምንታይ ሰይጣን ክዛረበካ ተፍቕደሉ ኣለኻ፧ ሓይልኻ ካብ ክርስቶስ እንተኾይኑ ንምንታይ ብዘይጠቕም ነገራት ትጭነቕ ኣለኻ፧ ኣታ ሓወይ ኣቲ ሓብተይ እመኑ ግን እተምልኽዎ ኣምላኽ ፍረ-ግብርኹም ዘይጽበ ኣምላኽ’ዶ መስለኩም ኣሎ፧ወይስ ኣነ መንፈስ’የ ምበር ስጋ ኣይኮንኩን ኢኻ ኢልካ ከተመኽኒ፧ መን’ዩ ደኣ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ዝተባህለ፧ ስጋኻ ኣይኮነን ድዩ፧ ምብላዕን ምስታይን ውን ግደፎ ምኽንያቱ መንፈስ እንተኾንካ እንጀራ ህይወት እምበር እዚ ንበልዖ ባኒ እንታይ ክዓብሰልካ’ዩ። ጸገም ናይ ኩሎም ብስም ሃይማኖት ዝሽቕጡ ሰባት፡ ሃይማኖት ኣብ ክንዲ መቐየሪ ከም መሳርሒ እዮም ዝጥቀሙሉ። መሳርሒ ነቲ ኣነ ንምዕባይ፡ ነቲ ኣነ ጻድቕ ምዃነይ ምርኣይ፡ ፍሉይ ሰብ ብኣምላኽ ኣተኩሮ ዝተዋህቦ ሰብ ምዃነይ ንምእማን። እቲ ናይ ትማሊ ኣነ ዝበልናዮ፡ እነሀ ክዳን ቀሺ ተኸዲኑ፡ መስቀል ተሰኪሙ ካብዞም ኣህዛብ ኣነ ይበልጽ" ይብል።

    ክኣስሮ፡ ናይ ሓደ ነገር ፍልጠት ምህላው ጽቡቕ’ዩ። ባህሪኻ ክትልውጥ፡ ንመንፈስካ ከተድሕን፡ መገዲ ኣምላኽ ክትሕዝ ግን እዚ ንሕና ንፈልጦ ፍልጠት ከም ሕንጻይ ካብ ሰባት ዝተመላእካ’ዮ ፍልጠት ኣይጠቅምን’ዩ። ዝጠቅም እንተዝኸውን ኩሉ ንክርስቶስ ከም መድሓኒኡ ዝተቀበሎ ሰብ ልክዕ ከምቲ ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽን’ዩ ኔሩ ዝብልዎ ንክርስቶስ ንሳቶም ድማ ፍጹማት ሰባት ምኾኑ። ኩሎም ናይ ዓለም ሃይማኖተኛታት ውን ከምኡ። እዞም ጻድቃናት ግን ኣይግድን! ጽቡቕ ግበሩ ፡ መገዲ የማን ሓዙ ኣይኮንኩን ዝብል ዝለሉ፡ ተሓጐሱ፡ ወድሱ እምበር ኣባኹም ክፉእ ኣይረኸብ። ኣብ ጸጋም ከለኹም ብድዐ ኣይተዛረቡ፡ ኣምሰሉታት ኣይትኹኑ፡ ትሰብክዎ ግበርዎ፡ ንካልኦት ኣይትፍረዱ፡ እንተድሒንኩም ብሰናይ ተግባር እምበር ብመልሓስ ንካልኦት ደቂ መዛሙርቲ ኣይትግበርዎም። ንኣምላኽ ዘይደልይዎ ናይዛ ዓለም ሰባት እንተለው ናጽነቶም ኣኽብሩሎም። ኣምላኽ ከም ዘየለ ዝኣምኑ ብዙሓት ኣለው፡ እዚኦም ንኣምላኽ ይጭነቕዎ። ትማል ብጭቃ ዝተሰራሕካስ <ናይ ኣምላኽ ስራሕ ክሰርሕ ሕደገኒ> ኢልካ ወጠጥ ኣይትበል። ኣታ ሓኪም ቅድም ንርእስኻ ፈውስ!

    ተመስገን ክትብል ከም ዘለካ ትፈልጥ ኢኻ። ግን ተመስገን ትብል’ዶ፧ ንምንታይ ተምስገን ክብል ተደልዩ፧ ኢልካ እንተሓቲትካ ናብ ማሕበር ፈላስፋታት ዘእቱ ትኬት ቆሪጽካ ኣለኻ ማለት’ዩ። እንተ እወ ክብል ይግብኣኒ ግን ስጋይ ድኹም ኮይኑ፡ እንታይ ክገብር ኢልካኒ፡ ኣምላኽ ባዕሉ ኣኻእሎ ይሃበኒ ትብል ተለኻ ኪድ ነቲ ናይ ምኽኒት ኣምላኽካ ናይ ምኽኒት ጸሎት ጸልየሉ’ሞ፡ ገለ ምኽኒት ንምንታይ ተመስገን ትብል ከምዘየለኻ ይድርብየልካ ይኸውን ግዲ።

    *******

    ስለምንታይ መንግስተ ሰማያትና ካብ መንግስተ ሰማያትኩም ከም ዝገፍሕ

    ብዙሓት ተኸተልቲ ናይ ምብራቕ ሃይማኖታት ይኹኑ ናብ ምዕራብ እናምጽኡ ዘፈለጥዎን ሰበኽቲ ከም በዓል ኦሾ፡ ኤክሃርት፡ ክሪሽናሙርቲ ወዘተ ዝደጋግምዋ ሕመረት ናይ ትምህርትታቶም ኣላ፥ <ነቲ ሓሳቢ ተዓዘቦ>! Mind identification ወይ ኣነ እቲ ዝሓስቦን ዝስምዓንን’የ ምባል እታ ዝዓበየት ሓሶትን well-kept secretን ናይዛ ዓለም ይቆጽርዋ።

    ሓንቲ ተመሃሪት ኮሌጅ ምስ ኣተወት ወይ ውን ቅድሚኡ ክትነቕሕ ትኽእል። ምንቃሕ ብዙሕ ትርጉማት ዘለዋን ኩሉ ብርስሓትካ ደንጊጹ ኣእምሮኻ ክሓጽበካ ዝደሊ ገባር ሰናይ ዝጥቀመላን ቃል’ያ። ነብሰ-ምንቃሕ ግን ብደገ ዘይኮነ፡ መሰረታውያን ሕቶታት ህይወት ቀጨውጨው ከብሉኻ ከለውን ከም ፋሉል ከልቢ ፈቐዶ ጉሓፍ ምሓፍ ሓሳባት ኮለል ምባል ክትጅምር ከለኻን’ዩ። ሓቂ’ዩ ነዛ ስእሊ ብኻልእ መልክዕ’ዮም ዘርእዩ’ኻ። ከም ሓደ ንሓቂ ሃረር ዝብል ጅግና ወይ ከም ሓደ ሕቶታት ህይወት ክፈትሕ ህርድግ ዝብል መስተውዓሊ፡ ከም ሓደ ህዱእን ምእንቲ ሓላፊ ናይ ዓለም ነገራት ዘይኮነ፡ ምእንቲ ነባሪ ሓቂ ኢሉ መስዋእቲ ዝኸፍል ዘሎ ሓርበኛ ጌሮም ይስእሉኻ! በዓል ፓውሎ ኮሄሎ ድማ ኣብነታትካ ይኾኑ። ወይ ጉድ! ትብል ወይዘሪት ፈላስፋ። ደሓን ሓርበኛ ህይወት ዲኻ ወይስ ጐድፍ ጐድፍ ኮለል ዝብል ከልቢ ምሕታት ኣሎ፡ ክትፈልጥ ምድላይ ኣሎ፡ ጥሜት መንፈስ ወላ ንበሎ ኣሎ ወይ ውን ምስዞም ተጠራጠርቲ እንተኾንካ የለን ግን ከም ዘሎ ኮይኑ እስምዓካ ኣሎ ንበል።

    ሓውትኹም’ውን ምስ ነቓሕኩ whatever that means ከም ሰበይ ነቶም ከም ፋሽን መጺኦም ዝነበሩ መጽሓፍቲ ከንብብን ናይ ግዜይ ሕቶታት ክሓትትን ጀመርኩ። ሶፍያ ምስ ወጸት ድማ ብትግርኛ ክሃንጽ ጽቡቕ መጀመሪ ነጥቢ ኮነኒ። ድሕሪ ሶፍያ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምብራቕ ሃይማኖታት ቡድሂዝም፡ ታኦይዝም፡ ሱፊዝም፡ ታንትራ በጻሕኩ። ዓረብ ንክልተ ዓመት ድሕሪ ምምሃረይ ተለቭዥን ብዘይ ጸገም ክከታተል ምስ ጀመርኩ ድማ ቅዱስ ቁርኣን ውን ከንብቦ ጀመርኩ። ድሕሪ ናይ ዓመታት ኮለል ምስ ዘን ተራኺብና ድሕሪኡ ናብ synthesis ኣተኹ። እምነተ-ኩሉ እምነተ-ሓደ እምነተ-ሰለስተ ወዘተ እናበልካ ዝግበር ናይ እምነት ኣካይዳ ጠንጠንክዎ ኣብ ክንዳኡ ንኣምላኽ ክትኣምኖ ዘይኮንካ ክትፈልጦ’ዩ ዘለካ ምኽንያቱ እምነት ማለት ጌና ንጥርጣረ ዓቢጥካ ምንባር ስለዝኾነ። ዝፈለጠ ሰብ ግን ምጥርጣር ከቶ የብሉን። ስለዚ ብእምነት ምጉዓዝ ማለት ብርሃን መጻሕፍትኻ እናተጠቀምካ ንጥርጣረ ኣብ ሕቆኻ ጼርካ ምሱጓም ከም ማለት’ዩ፡ ናብ ዝኸድካ እንተኸድካ ከይደኸመት ምሳኻ’ላ <ምጥ’ርጣር>! ስለዚ ንኣምላኽ ክፈልጦ’ምበር ክኣምኖ ከምዘይብለይ ተመሃርኩ።

    ውሽጥኻ ጽቡቕ ይስምዓካ ‘ተሎ ማለት ሰላም ዝረኸብካ እንተኾንካ ግድን ናብ ኣምላኽ ቅረብ ዝብለካ ሰብ የለን። እቲ ጸገም ውሽጣዊ ህይወት ወድ ሰብ ሰላም ስለ ዘይብሉ’ዩ። ነቲ ቀዳድ ንምምላእ ናብ ሓደ ጐቦ ምጽጋዕ ዘድሊ መስለኒ። ባዕለይ ጐቦ ክኸውን’የ ‘ተልካ ሃየ እዩ መልሰይ። ኣነ ንኣምላኽ ዝኸውን ቦታ የብለይን፥ ወይ ከም ዘሎ ኣርእየኒ፡ ኣምላኽ እንተዝህሉ ኣብዚ ዓለም ዘሎ ሽግር ንምንታይ ክፈትሖ ዘይደሊ፧ ገለ ሰብ ውን ኣሎ ወላውን ክኣምን እንተደለኹ ምስ መን ሃይማኖት ኮይነ’የ ክስዕቦ ምኽንያቱ ኩሎም ንኣምላኽ ክትረኽቦ እንተደሊኻ እታ እንኮ መገዲ ናትና ጥራይ’ያ ወይ ድማ ካልኦት ኩሎም ናብ ገሃነም ክኣትው’ዮም! ንሕና ኢና ልክዕ ዘለና፡ ንሕናባ። ኣምላኽና ካብ ኣምላኽኩም ይዓቢ። ናትና ካብ ናትኩም ሓቂ ትበልጽ። መንግስተ-ሰማያትና ካብ መንግስተ-ሰማያትኩም ይገፍሕን ይጽብቕን። ከም ክልተ ገዛ ገዛ እናተጻወቱ ዝበኣሱ ዘለዉ ቆልዑ ክመስሉ ናተይ ናትካ ይብሉ! ነዚ ዝረኣየ ሓደ ዘይኣማኒ ፎእ! እንተበሎምን ኣምላኽ የልቦን እንተበለን ኣነ ብወገነይ ኣይሕዘሉን። ከምዚ ዞም ቆልዑ ዝገብርዎ መንግስተ-ሰማይና ካብ ኩላተን መንግስተ-ሰማያት ዝበለጸተ’ያ ኢለ ምስ ኣምላኽ ገዛ-ገዛ ከጻወት ኣይደልን። እታ ትመጽእ ሕቶ ግን ከመይ ኣለኻ፧ ውሽጣዊ ዕረፍቲ ኣለካ’ድዩ፧ ሰላም ሰፊንካ’ዶ’ዩ ፧ ግደፎ ነዚ ዓቢ ሰብኣይ። ገለ እዋን ቅጭ ክመጻካ፡ ክትሓርቕ፡ ክትፈርህ፡ ክትበሳጮ፡ ክትሕለል፡ ዝደለኻዮ ስኢንካ ልብኻ ክስበር፡ ከሐጉሰኒ’ዩ ኢልካ ዝተጸበኻዮ ሰብ ወይ ኩነት ከምቲ ትጽቢትካ ንነዊሕ ምሕጓስ ክኣብየካ ከሎ፡ ወዘተ ወዘተ ኩሉ እቲ ሕማቅ ዝበሃል ስምዒታት ህይወት ንቡር’ዩ ኢልካ ዝደምደምካ ሰብ እንተኾንካ ወይ ድማ ህይወት ነቲ ጽቡቕ ምስቲ ሕማቕ እናቋሰኻ ምንባር’ያ ትብል ተለኻ ኣገናዕ! ንዓኻ ኣምላኻ ኣየድልየካን’ዩ። ኪድ ድሕሪ ሸቶታትካን ዕላማታትካ ጉየ። ውደቕ፡ ተስእ፡ ስራሕ፡ ጡረታ ውጻእ፡ ሙት። ግዜኻ ከይትቀትል መታን ተብ ተብ እናበልካ ንበር። ህይወት ክሳብ ናብ መቃብር ትኣቱ እንተኾይና፡ ንሎሚ ተሓጐስ ምኽንያቱ ጽባሕ ሞት ኣሎ ዘይተርፍ። ምስዚ ኣረኣእያ ዝኾነ ባእሲ ወይ ቂም የብለይን።

    ገለ ሰብ ግን ከምዚ ከማይ ሓዊስካ ማለት’ዩ ምስዛ ናይ ላዕሊ ሓሳብ ኣይንሰማማዕን። እዚ ትብልዎ ዘለኹም ጽላሎት ‘ምበር ህይወት’ሲ ደድሕሪ ገንዘብ፡ ፍልጠት፡ ህቡብነት፡ ብሓጺሩ ድሕሪ ሸቶታት ምጉያይን ኣብ መወዳእታ ድማ ከምታ ናብዛ ዓለም ወላ ሓንቲ ከይሓዝካ ዝመጻኻ ወላሓንቲ ከይሓዝካ ክትከይድ ፍትሒ ኣይኮነን ስለዚ ገለ ዓቢ ትርጉም ክህሉ ኣለዎ ብማለት ካብ ድቃስና ክነቅሕ ንፍትን። እዛ ነቲ ሓሳቢ ተዓዘቦ ትብል ድማ እኽልቲ መፍትሕ ምዃና እቶም ዝፈተንዋ ይምስክሩ። ግን ንእምነት ቦት ስለ ዘይብልና ፈቲንና ክንፈልጥ ይዕድሙና። ኣብ ጸልማት ደርገፍ ንዝብል ሓውኻ ምሕጋዝ ከም ጌጋ ዝርእይዎ ኣባላትና ድማ ኣለው። ከመይ ጌርካ ኣብ ጸልማት ከም ዘለው ፈሊጥካ ‘ተ ዘየድሓንኩዎም ትብል ዘለኻ፧ ኣነ ከድሕነካ’የ ምባልካስ ትዕቢት ዶ ኣይኮነን፧ ኣነ ካባኻ ይሓይሽ፡ ንኣምላኽ ስለ ዝፈልጥክዎ ካብቲ ፍልጠተይ ከካፍለካ’የ ምባልካ ጌና ካብቲ ብሃብቱ፡ ብስልጣኑ ወይ ብፍልጠቱ ዝምካኽ ዓለማዊ ዝፈልየካ የለን ይብሉ። ዝምካሕ ብጐይታ ይመካሕ እናበልካ ንስኻ ግን ንጐይታ ጉልባብ ጌርካ፡ ኣነ ንኣምላኽ ዝፈልጥኩ ዓቢ ሰብ’የ ትብል። ነዙይ ዝረኣዩ ገለ ኣሕዋት ጐይታ ንዓይ ፈሊጡኒ ደኣ በል ‘ምበር፡ ኣነ ንጐይታ ፈሊጠዮ ምባልስ ትዕቢት’ያ ይብሉ። ምኽንያቱ ብበረኸቱ ወይ ጸጋኡ ደኣ ኢኻ ዝፈለጥካ’ዮ ‘ምበር ብሓይልኻ ወይስ ብፍልጠትካ ወይስ ብልቦናኻ ኣይኮነን ይብሉ። እዞም ኣሕዋት ቀጺሎም ኣምላኽ ክትፈልጦ ባዕሉ ኢዱ ዘርጊሑ ናብቲ ዳሱ ካብ ኣእተወካ ነቲ ኣብ ጐንኻ ዘሎ ዘይደሓነ እትብሎ ሰብሲ ክግለጸሉስ ዘይከኣሎ’ዶ መስለካ፧ ከምቲ ንፈርኦን ልቡ ዘትረሮ፡ ዋላውን ሽሕ ግዜ እንተሰበኽካ ስብከትካ ሰሚዑስ ክንደይ ‘ኮን ‘ዩ ናብ ኣምላኽ ዝመጽእ፧ ስለዚ ብፍቓድ ኣምላኽ እንተዘይኮይኑ ሓደ’ኳ ናብኡ ክመጽእ ዝኽእል የልቦን። ሰዓብቲ ክትረክብ ኢልካ ንብዘላ ዓለም ናብቲ ሃይማኖትካ ከተእትዋ ምፍታን ግን ፖለቲከኛ ደኣ’ምበር ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኣይኮንካን ይብሉ እዞም ኣርሃት ብዝብል ስም ዝፍለጡ ኣሕዋት። ኣነ ሲዶና ዖመር ንባዕለይ ምስ ኣርሃት እሰማማዕ’የ። ደላዩ ባዕሉ መጺኡ ኣፍልጠኒ ወይ ሓብረኒ እንተዘይ’ሉካ ንሰብ ምስባኽ ቅኑዕኮይኑ ኣይስመዓንን። ካብ ሎሚ ጀሚረ ውን ስብከት ደው ኣቢለ’ዮ ኣለኹ።

    ክኣስሮ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ዝተዓዘብክዎን ዝነበብክዎን መጽሓፍቲ፡ ነታ ናይ ሶቅራጠስ ነብስኺ ፍለጢ እትብል ለበዋ፡ ኣብ ብዙሓት መንፈሳውያን ጉጅለታት ብተደጋጋሚ እትለዓል ከም መፍትሒ ን ከመይ ጌረ ንነብሰይ ክፈልጣ እኽእል፧ ትብል ሕቶ እታ መልሲ ነታ እትሓስብ ዘላ ሲዶና ተዓዘብያ ሲዶና ከምዚ ይስምዓ ኣሎ፡ ሲዶና ከምዚ ትሓስብ ኣላ፡ ሲዶና ብሳልሳይ ኣካል ትርእያ ማለት’ዩ። ምስ ግዜ ዝመጸ ሓሳብ ተመጸ ሓላፊን ነታ ሓቀኛ ሲዶና ከም ዘይውክልን ክትፈልጢ ትጅምሪ፡ ካበይ ከም ዝመጻኽን መን ምዃንክን ድማ ከም ጸሓይ ክበርቀልኪ’ዩ ይብሉ። ንነብሳ እትፈልጥ ሰብ ድማ ናይ መን መንግስተ ሰማይ ዝገፍሐ ምዃኑ ብእምነት ዘይኮነት ብርግጽ ትፈልጥ! ቻው

    *******

    ስለምንታይ ንሓቂ ኣብ ኣርማድዮ ከነቐምጣ ከምዘይብልና

    ሓንቲ ብዙሕ ግዜ ትደጋገም ሓረግ ኣብ ዘን ኣላ ነቲ መበቆላዊ ገጽካ ርኸቦ። ቅድሚ ብዙሕ ምዝራበይ ከምቲ

    Enjoying the preview?
    Page 1 of 1